https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5430
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማና ሳዕርን ተኽልን ማይ ንምስታይ 10000.00 ሊትር ዘይንእስ ማይ ክሕዝ ዝኽእል ቦቲ መኪና ዝኽእል ዘስቲ ሰራሕተኛ ከም ትቦ ጎማ መስተይን ካልኦት ቀረብን ነዚ ዘድሊ ብናይ ባዕሉ ከቅርብ ዝኽእል ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 4, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 24, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:25.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 24, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘሐደስኩም::

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

4 ናይ ግብሪ ኸፋለይ መለለይ ካርድ (TIN) ዘለኩም::

5 ናይ መኪና ሊብሮ ከቅርብ ዝኽእል፤

6 ንጨረታ መክበሪ 5000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሓደ ደክመንት ዘይምለሰ 25.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ክፍሊ ቁፅሪ 9 ምዉሳድ ይከኣል።

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋይ /ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምውሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቀሱ ኣድለይቲ ዶክመንት ኮፒን ኦርጂናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤትፅሕፈት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ጨረታ ንክተእትውን ንክትወዳደሩን ንዕድም፤

9 ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት ካብ 03/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 24/04/2011 ዓ/ም 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 24/04/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 24/04/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ይኸውን::

12 እቲ ጨረታ ኣብ ቅደሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ።

13 ቦቲ ናይ ማይ መኪና ክተቅርቡን ሰዓራይ ምስኾንኩም አብ ሰሙን ክንደይ ማልቲ ከምእትሰትዩን ኣብ ውዕሊ ብዝርዝር ከምዝቅመጥ ፈሊጥኩም ክትጫረቱ ንሕብር።

14 ቤት ፅ/ትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

15 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንኽካእን ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፍቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-460058/1121ብምድዋል ይሕተቱ::

ኣድራሻ :  ፊት ንፊት ኢትዩጰያ ንግዲ ባንክ ጨንፈር ዓ/ዓዲ