https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5411
ኤጀንሲ ስታስቲክስ ክልል ትግራይ ካብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 3, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 16, 2011 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 16, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ብናይ ኤሌክትሮኒክስ ዘርፍ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይ ምስክር ወረቀትን ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዝገበረን፤

2 መኸበሪ ጨረታ 20000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእልን ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ኸፊሉ ሰነድ ጨረታን ዝወስድን፤

3 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ 01/04/2011ዓ/ም -16/04/2011ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ.ሰዓት እንትኸውን ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት ድማ 16/04/2011ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኾይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

4 እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 መዓልታት ፀኒዑ ይፀንሕ።

5 ኣድራሻና ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ፊት ንፊት እንዳባ ገ/ሚካኤል ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ዝርከብ ህንፃ 1 (ብሎክ 1) ኣብ ቀዳማይ ደብሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን  እዩ።

6 እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብሰ.ቁፅሪ 0342-402362 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።