https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5362
ኣብ ቤት ፅሕፈት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣብ ናይ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ጣብያ ደ/ናዝሬት ቁሸት ምዓም ኣጣሊ (ሓደ ራህያ)፣ ኣብ ጣብያ ኣማኒት ቁሸት ዓዲ ቀሸፎ ዝስራሕ ሓደ ራህያ ንመስተ ማይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ብማሽን ክነኩዕት ስለዝደለና ነዚ ረቋሒ እተማልኡ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 25, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 8, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ደጎዓ ተምቤን
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ታሕሳስ 8, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ማይ/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/

1 ንግዲ ፍቃድ ናይ 2011 ዓ/ም ዘሐደሰን ዝገልፅን ሰርቲፊኬት ኦርጂናልን ኮፒን ቲን ናምበርን መረዳእታ ኦርጂናልን ኮፒን ዘቅርብ፤

2 እቲ ስራሕ ውዕሊ ካብ ዝኣስሩ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 15 ተኸታተልቲ መዓልቲ ሰሪሖም ከረክቡዝኽእሉ፤

3 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ካብ ዕለት 2/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅ/ት ኢትዩ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ፕሮጀክት ወ/ደ/ተምቤን ብነፃ ክወስዱ ይኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ዋጋ ዝሓዘ ሓደ ኦርጂናል ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሽም ንግዲ ፍቃዶም ብምፅሓፍ ፊርማ ብምፍራምን ማህተም ምስገበሩ ብምዕሻግ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽምን ኣድራሻን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅ/ት ኢትዩ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ፕሮጀክት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 08/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይኽእሉ፤ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 3:30 ጨረታ ሳንዱቅ ይዕፀው።

5 እቲ ጨረታ ኩለም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 08/04/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይዕፀው።

6 ብር 5000.00 ናይ ጨረታ መኸበሪ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብን ከትሕዝ ዝኽእል ደረቅ ቸክ ተቀባልነት የብሉን።

7 መኸበሪ ውዕል 5% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ብሲፒኦ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ከቅርብ ዝኽእል፤

8 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምጭብርባር ዝፈተነ ተወዳዳራይ ብሕጊ ተሓታታይ ምዃኑ፤

9 ተጫራቲ ናይ ቫት ሒሳብ ኣብ ግምት ከየእትው ክመልኡ ኣለዎም።

10 በቲ ናይ ፕሮጀክት መምርሒ መሰረት ተወዳደርቲ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ መሸነፋይ ምዃኑ፤

11 ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ፕሮጀክት ብክፋል ወይ ደማ ብሙሉእ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብኣካል ወይ ብስ.ቁፅሪ 0914-241193 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ።