https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5333
ማሕበር ረደኤት ትግራይ ( ማ.ረ.ት) ዝተፈለላዩ ናይ ማይ ሞተራት ኤሌክትሪካል ጀነሬተርን ሚክሰርን ቫይብሬተር (Water pump, Electrical generator, Mixer and vibrator) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 20, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 4, 2011 07:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ታሕሳስ 4, 2011 08:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ማይ ኻዕቲን ኢንስታሌሽን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 (200.00) ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይኽእሉ፤

2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሰርቲፊኬትን ፣ ቲን ቁፅሪ ፣ ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባእ። ፎቶ ኮፒ ሒዞም ከቅርቡ ኣለዎም።

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% (ክልተ ካብ ሚኢቲ) ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለኩም።

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ማለት 19/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 04/04/2011 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሽተ 5:00 ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረትኦም ከቅርቡ ይኽእሉ።

5 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 04/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት። ከምኡውን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንክፈት ምዃና ንሕብር።

6 እቲ ዝተውሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን። እቲ ዝመላእኩዎም ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ። ከምኡ ድማ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification ) እቲ  መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

9 እቲ ድርጅት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።