https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5301
ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ደይሬክተራት ዕዳን ፋይናንስን ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንኣካዳሚና ግልጋሎት ዝውዕሉ ኣቅሑትን 1 ናይ ግሪነሪ ማይ ምሰታይ ግልጋሎትን 2 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት በቲ ዘርፊ ንዝተሰማረው ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 17, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 27, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሕዳር 27, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ገዛ/ህንፃ ፅባቐ ስራሕቲ/

ኣብ ናይ ናይ ግሪነሪ ማይ ምሰታይ ግልጋሎት ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ክተማልአዎም ዝግባእ ረቋሒ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም፤

2 መፍለይ ቁፅሪ ( tin) ዘለዎም፤

3 ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘውፅኦ መምርሒ ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝተሓደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

ኣብ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ክተማልአዎም ዝግባእ ረቋሒ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም፤ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑ ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቅርብን

2 መፍለይ ቁፅሪ ( tin) ዘለዎም፤

3 ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘውፅኦ መምርሒ ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝተሓደሰ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

1 መኸበሪ ጨረታ ናይ ግሪነር ማይ ምስታይ ግልጋሎትን መለዋወጢ መኪና ( ስፔር) ኣቅሑት ሕድሕዶም ብር 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

2 ዋጋ ሰነድ ጨረታ ናይ ግሪነር ማይ ምስታይ ግልጋሎትን መለዋወጢ መኪና ( ስፔር) ኣቅሑት ሕድሕዶም ብር 50.00 ካብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ደይሬክተራት ዕዳጋ ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 0-06 ካብ ዕለት 13/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 27/03/2011ዓ/ም አብ ዘሎ ግዜ ምግዛእ ትኽእሉ፤

3 ጨረታ ዕለት 27/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 እቲ ጨረታ ይኽፈት።

4 ናይ ግሪነሪ ማይ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይኖም ዝሰዓርዎም ግልጋሎት ንክተቅርቡ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣሰሩ ዝኽእሉ፤

5 ናይ ግሪነሪ ማይ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ውዕሊ ካብ ዝኣስርኹምዎ ዕለት ጀሚሩ ምስ ኣካዳሚ ዝርከቡ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ብምርድዳእ ግቡእ ግልጋሎት ክትህቡ ምዃንኹም ነፍልጥ።

6 ኣካዳሚና ካብ ዝዕድጎም ኣቅሑት 20% ምውሳኸ ወይ ምቅናስ ይኽእል እዩ።

7 ኣካዳሚና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401989 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ንርከበሉ ቦታ - ክ/ከተማ ዓይደር ቀበሌ 03 መምህራን ኮሌጅ ዝነበረ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ