https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5295
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ፓምፕታትን መለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ፣ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም HGPE GL ቱቦን መገጣጠሚን፣ ናውቲ ላብራቶሪ ማይ ፣ መሳርሒ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክስን በግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 15, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 29, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ሽረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ሕዳር 29, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቱቦታትን ኣክሰሰሪታትን/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይት ግብሪ ዘለዎ

4 ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾነን ፣ ናይ ወርሒ  ጥቅምቲ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ንሕድሕድ ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።

6 መኸበሪ ጨረታ ንፓምፕታትን መለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ HGPE GL ቱቦን መገጣጠሚን፣ ናውቲ ላብራቶሪ ማይ ፣መሳርሒ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክስን ንሕድሕዶም 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

7 ጨረታ 29/03/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

8 ሰነድ ጨረትኦም ሽም ፣ ማህተም፣ ፊርማ፣ ዘለዎ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ መሊእኹም ቅዳሕ ምስ ዋና በብይኑ ክተእትው ትኽእሉ።

9 ሰዓራይ እቲ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት በናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ

10 ኣብ ርኽክብ ግዜ ምስቲ ዝወፀ ዝተነፀረ ረቋሒ ብበዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ንቅበል ምዃና ንሕብር።

11 ኣብ ሰነድ ጨረታ ባዕልኻ ረቋሕታት መነፀርታ ምፅሓፍ ይዅን ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ።

 ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-444339/0344-442716 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።