https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5267
ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማ.ረ.ት) ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘገልገሉ ንብረታት ብጨረታ መልክዕ ክትሸይጥ ስለ እትደሊ ኣብቲ ጨረታ ክተሳተፉ እትደልዩ ተጫረትቲ ንሕድሕድ ንብረት እተገዝአሉ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ ገይርኩም እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 21/03/2011 ዓም ሰዓት 11:00 ድ.ቀትሪ ኣብ ዘለው ናይ ስራሕ መዓልታት ናብ ቢሮ ቁፀሪ 304 ክትቀርቡ ንዕድም። ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 24/03/2011 ሰዓት 3:00 ናይ ንግሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማረት መቐለ ምዃኑ እናገለፅና እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 11, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 21, 2011 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:20.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 24, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

መተሓሰሳቢ-

1 ሕድሕድ ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 20.00 ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ክልል ቤት ፅሕፈት ማ.ረ.ት ቢሮ ቁፅሪ 304 ክወስድ ይኽእል።

2 ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ብር 10000.00 ብሲፒኦ መልክዕ ከትሕዙ ከምዝግባእ ንገልፅ።

3 ጨረታ ዝሰዓረ ተጫረቲ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ንብረቱ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ጠቅሊሉ እንተዘይኣልዒሉ ዘትሓዞ ሲፒኦ ኣታዊ ኮይኑ ጨረታ ከምዝስረዝ ነፍልጥ።