https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5266
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ዘድሊ ቪድዮ ካሜራ ካልኦት ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 11, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 24, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሕዳር 24, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ብዘርፉ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2  ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ቲን ቁፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

3 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ  ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ። :ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ

4 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

5 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም እንትረኸቡ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይግበሩ።

6 መቅረባይ ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ በብመዓልቱ 0.1% ወይ 1/1000  ቅፅዓት ዝከፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ።

7 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 10/03/2011 -24/03/2011 ዓ/ም ኮይኑ  ዕለት 24/03/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት::

8 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ  ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556  ምርካብ ይካአል እዩ::