https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5258
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፋላለዩ ኣቅሑትን ሕትመትን ከጫረት የደሊ። ሎት 1- ኣቅሑት ፅሬት፣ ሎት 2 ኣቅሑት ሕትመት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 8, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 19, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ሳሓርቲ ሳምረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 19, 2011 08:45 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/

 ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝኸልኩምን ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም  ንነበሲወከፍ ሎት ዝተመዝገበ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩም፤ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾንኩምን ናይዚ ወርሒ ሒሰብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳአታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤   

2 ሰነድ ጨረታ ካብ 04/03/2011ዓ/ም -19/03/2011 ዓ/ም ዘይምለስ ንነብሲወከፍ ሰነድ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል  ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ 19/03/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

4 እቲ ጨረታ 19/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።

5 መኸበሪ ጨረታ 3000.00 ብሲፒኦ ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ  ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።