https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5243
ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ዓበይቲ መካይን ፅገና ፣ ናይ ሞተር ሳይክል ፅገና፣ ናይ ስፖርት ዕጥቂ ምቅራብ፣ ናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት ምሃብ ግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 5, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 19, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 19, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ካፌን ሬስትራንትን/ ፅገና ሞተርሳይክል/ ፅገና ተሽከርካሪ/

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ረቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2010 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ ቲን /TIN/ : መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ፣ ቫት ንናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት ኣይምልክትን። ንናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት ናይ ደኣንት ሰርቲፊኬት ዘቅርብ፤

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕዳጋ ካብ 04/03/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 30.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ጨረታ መኸበሪ ናይ ዓበይቲ መካይን ፅገና ንናይ ካፍተሪያ ግልጋሎት ምሃብ ነንሕድሕዶም ብር 5,000፣ ናይ ሞተር ሳይክል ፅገና ብር 3000.00 ፣ ናይ ስፖርት ዕጥቂ ምቅረብ ብር 4000.00 ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 19/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 19/03/2011 ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ/ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ/ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7 ኣድራሻና ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 034 እዩ 

8 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 -408757 /0344-408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::