https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5233
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ብዝርዝር ዘለዉ ዘገልገሉ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 4, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 18, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:1%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 18, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ ጨረታ መኸበሪ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 1% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

3 ጨረታ ሰነድ ኣታዊ ዝግብረሉን ዝኽፈተሉን ኣብ ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ 4ይ ደብሪ 9ተ እዩ።

4 ሰዓራይ ምዃኖም እንተፈሊጦም ኣብ ውሽጢ 10ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ናይ ዘሸነፍዎ ንብረት ጠቅላላ ክፍሊት ኣታዊ ዝገብርሉ ቅብሊት ብምትሓዝ ኣብ ዓዲሓ ካብ ዝርከብ መኽዝን ናይ ትካልና ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ከልዕሉ ዝኽእሉ፤

5 ተጫራታይ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ገንዘብ ኣታዊ ክገብሩ ተዘይክኢሎም ዘትሓዝዎ መኸበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

6  ምልክታ ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 04/03/2011 -18/03/2011 ዓ/ም ኮይኑ  ዕለት 18/03/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት::

7  ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ  ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556  ምርካብ ይካአል እዩ::