https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5199
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት በ2011 ንግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መካይን ፅገና ናይ ኢድ ዋጋ ( ጋራዥ) ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም። በዚመሰረት
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 28, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 12, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 12, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ተሽከርካሪ/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ዝትሐደሰ ንግዲ ፈቃድ መቕረባይነት ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/TIN/  መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ::

3 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ናይ  ወርሒ መስከረም ዲክለር ዝገበርኩምን::

4 ናይ ፅገና ፍቃድ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ዝወሃብ ደረጃ ሰለስተን ልዕሊኡን ዘለኩም

5 ተጫራቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /specification/ መሰረት መሊኡ ዘቕርብ ክኸዉን አለዎ::

6 መቅረብቲ ካብ ዕለት 27/02/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 11/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ 50.00 ብር ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድን ኣብዘተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይካአል::

7 መኽበሪ ጨረታ 5000.00 /ኣርባዕተ ሽሕ/ ብ CPO ወይ  ብጥረ ገንዘብ ቅደሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ክትሕዙ አለዎም::

8 ጨረታ ዝዕሽግሉ ዕለት 12/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት4:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይክፈት::

9 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይረኺቦም እዉን እቲ ጨረታ ንምክፋት ዝዓግቶ የለን

10 ንሕድሕድ ዘድሊ በዝሒ ዶክሜንት ቴክኒካልና ፋይናንሻል ምስ ኮፒ በበይኖም ብሰምዒ ዝተዓሸገ ናይ ድርጅቶም ማህተም ዝዓረፎ ከቅርብ ዝክእል

11 ጨረታ ዝፀንዐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት  ጀሚሩን 45 ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ::

12 ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም አብቲ ቤ/ፅሕፈትና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ድልየት መግለፂ ጥራሕ ይኮዉን::

13 አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን። ሰዓራይ ዝፍለ ብጠቅላላ ዋጋ ይኸውን።

14  ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ማህተም ናይ ድርጅትኩም ከዓርፎ አለዎ

15 ቤ/ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሐለወ እዩ::

ኣድራሻ ሓዱሽ ህንፃ ኤጀንሴ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ጎኒ ቤት ትምህርቲ መርሲ ፋይናንስን ህንፃ 1ይደብሪ ቑፅሪ 105 ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342406380 ምርካብ ይካኣል::