https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5197
ቤት ፅሕፈት ንግድን ዘርፍን ማሕበራት ከተማ ኮረም ንስራሕቱ ኣደላይ ዘኾነ ናይ ቢሮ ኣቅሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከገዝእ ይደሊ። ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘረ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 28, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሕዳር 4, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ኮረም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሕዳር 4, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ዓይነት ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ተጫራቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሕታት

1 ብዘርፊ ን2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ

2 ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን መመረዳእታ ዘቅርብን  

3 ቲን ተመዝጋቢ ዝኾነን መረዳእታ ዘቅርብን

4 ን2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሰርቲፊኬት መቅረባይነት ዘለዎ

5 መኸበሪ ጨረታ ብር 5000.00 ቅርሺ ብሲፒኦ / ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ካብቲ ዝተገለፀ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ተቀባልነት የብሉን

7 ክፍሊት ብናይ ባዐሉ ትራንስፖርት ኣብ ቤት ፅሕፈት ንብረት ኣታዊ ምስተገበረ ይፍፀም

8 ዘወዳደሩ መቅረብቲ መሸነፋይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 (ሰለስተ) መዓልቲ ውዕሊ ጨረታት ክኣስር ኣለዎ

9 ጨረታ ምስተከፈተ ካብ ጨረታ ዓርስኻ ምግላል ኣይፍቀድን

10 ስርዝ ድልዝ ተቐበልነት የብሉን

11 ሰነድ ጨረታ ሽም ተጫራታይ፣ ፊርማን ኣድራሻን ማህተምን ክህልዎ ኣለዎ።

12 ኦርጅናል ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ተኣሺጉ ከቅርብ ኣለዎ።

13 ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈት ንግድን ዘርፍን ማሕበራት ክልል ትግራይ ብስራሕ ሰዓት ምውሰድ ይከኣል።

14 እዚ ጨረታ ኣብ ኣየር ካብ ዝውዕሎ ዕለት ጀሚሩ ን10 መዓልቲ ይፀንሕ። እዚ ጨረታ ብዕለት 04/03/2011 ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት  4:31 ኣብ ቤት  ፅሕፈት ንግድን ዘርፍን ማሕበራት ክልል ትግራይ ይኽፈት።

15 ቤት ምኽርና ዝሓሸ መማረፂ እንትረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-786280/0911-802151 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።