https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5192
ን 2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንስን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘበነ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲና ዘድሊ ናይ መምሃሪ ሓገዝ ኣቅሑት ብፍላይ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 28, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 5, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 5, 2011 08:15 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ እዚ ዘመን ዘለዎም

2 ወረቀት ምስክር ናይ መቅረባይነት ዘለዎ

3 ቲን ቁፅሪ ዘለዎ

4 ቲኦቲ /TOT/ ወይ ቫት /VAT/ ምዝጉባት ኮይኖም ሕጋዊ ደረሰኝ ዘቅርብ

5 ሰነድ ጨረታ ብር 30.00 ብምክፋል ካብ ቤት ት/ትና ተሓዚት ገንዝብ ምዕዳግ ይከአል።

6 ንመክበሪ ጨረታ ካብ ዘቅርብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% ስፒኦ ጥራሕ ክትሕዝ ዝክእል  ኮይኑ፣ አቲ ሰፒኦ ኣብቲ ውሽጢ ጨረታ ዝሓዘ ፖስታ ተዓሺጉ የቕርብ።

7 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 26/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00

8 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 05/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት 8:15 ይክፈት

9 ሰዓራይ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ንብረት ክፍሊ የእትው።

11 እቲ ትካል እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ። እዚ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ።

ኣድራሻና- ዓዲ ሽንዱሕን ህንፃ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ እትዉ ኢልካ እንትከዉን ስልኪ ቁፅሪ 0342-40138