https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5175
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ንቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝውዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ብጨረታ አወዳደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 23, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 6, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ራያ ዓዘቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 7, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ  ዘለዎን ፣ዝተሐደሰን መቅረባይነት ዘቅርብ

2 ተመዝጋቢ ቫት ዝኮነ ብእዋኑ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

3 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ 22/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 06/03/2011 ዓ/ም ይከዉን

4 ጨረታ  ዝዕፀወሉ ዕለት 06/03/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 እዩ።

5 ጨረታ ዝኸፈተሉ07/03/2011 3፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዉያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይከዉን

6 መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ  ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

8 ሰዓራይ ኣካል 10% ውዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

9   እቲ ሰዓራይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክእስረ ዝክእል

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0346-640172/172209/172118 ምድዋል ይከኣል።