https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5170
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ መደበኛ በጀት ን2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና በጀት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና ስፔር ፓርት አቁሑት : መኪና ጎማ፣ ናይ ሕትመት ስራሕትን፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳድሩ ክዕድግ ይደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 22, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 7, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 7, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

።በዚ መሰረት ክትወዳደሩ  እትደልዩ ሕጋዉያን ተወዳደረቲ ነጋዶ /መቕርብቲ / ክተማልእዎ  ዝግባእ ረቋሒታት እዞም ዝስዕቡ እዩም

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ኮይኖም ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ  ፍቓዶም መረዳእታከቕርቡ ዝኽእሉ::

2 ኣብ ዝርዝር መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ዝተሐደሰ መታወቅያ መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ቲን/TIN/ ዘለዎም::

4 ተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/  ዝተመዝገቡን መረደእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን::

5 ወርሓዊ ዲክላሬስን ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ከቕርቡ ዝክእሉን::

6 ተጫራተይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ካብ ዘውፅኦ ዝርዝር ወፃኢ ምቅራብ ኣይኽእልን።

7 ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መወዳደሪ ዝቀረበሎም ሰንጠረዥ ሽምን ክታም ኣድራሻን  ማህተምን ብዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ከስፍሩ አለዎም:: ማህተምን ኣድራሻን በዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ከስፍሩ ኣለዎም።

8 ጨረታ ዝወፀሉ /ዝቃለሐሉ/  ዕለት  22 /02/ 2011 ዓ/ም ሰዓት 2:30 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት  07/03/2011 ዓ/ም  ሰዓት 4:00 : ዝኽፈተሉ ዕለት 07/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ይኸውን።

9 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ  ዘይመለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብ ላዕ/ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ምዉሳድ ይኽእሉ::

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ  ናይ  ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ  እዩ።

ኣድራሻና ጥቃ ቐዳማይ ብርኪ ሃፅይ  ዩውሃንስ ቤት ትምህርቲ::

    ንተወሳኺ ሐበሬታ ብስልኪ  ቑፅሪ  0344-402420  ብምድዋል ምሕታት ይኽእሉ