https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5156
ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ዘገልገለ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 21, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 28, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:1500
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 28, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 መኸበሪ ጨረታ ብር 1500.00 (ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ደማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኸእል

2 ተጫራታይ ዘሸነፎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ክወስድ ዝኽእል

3 ታጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ንብረት እንተዘይተወሲዱ ንመኸበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ገንዘብ ንመንግስቲ ኣታዊ ይኸውን።

4 ተጫረቲ እተቅርብዎ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር ተመሊኡ ክቐርብ ይግባእ ንፁር እንተዘይኮይኑ ግና ካብቲ ውድድር ወፃኢ ይኸውን።

5 ንመሸጣ ዝተዳለወ ንብረት ናብ ቢሮና ኣብ ኣጉላዕ ከተማ ናብ ዝርከብ ማእኸል መሰልጠኒን ብምምፃእ ኩነታት እቲ ንብረት ሪኦም ዋጋ ክመልኡ ኣለዎም።

6 ንመሸጣ ዝተዳለወ ዝርዝር ንብረት ካብ ቢሮና ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ካብ ዕለት 19/02/2011 -28/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ኣብቲ ዝርከብ ናይ ክልል ቢሮታት ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፀሪ 169 ክተቐርቡ ንዕድም።

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/02/2011ዓ/ም 8:30 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኾይኑ ተጫረቲ እንተዘይተረኺቦም ውን እቲ ጨረታ ዝኽፈት ይኸውን።

8 ተጫረቲ ኣድረሻኦም ስልኪ ቁፅሮምን ብንፁር ከቀምጡ ይግባእ።

9 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-403384/0342-406594 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።