https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5136
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ዝርከብ ዝውገድ ንበረት ኮይኑ ፣ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ዝርከቡ ግልጋሎት እናሃቡ ዝፀንሑ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት፣ በራሚል፣ ዝተፈላለዩ ወንበራት፣ስፖንጅ ወንበር፣ወዘተ ዝመሳሰሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 17, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰንበት ጥቅምቲ 25, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:1000.00
  • ቦታ:ሮብ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰንበት ጥቅምቲ 25, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝርዝር ንዝቀረቡ ረቋሕታት አተማለኡ ክትወዳደሩ እትደልዩ ከባቢ ሕ/ሰብ (ግለ ሰባት) ፣(ውልቀ ነጋዶ) ኣብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን መፂእኩም ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ረቋሕታት

1 ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈትትልምንፋይናንስንወረዳኢሮብ ከተማ ዳውሃን ዝርከብ ኮይኑ እቲ ዓይነት ንብረት ካብዚ ንታሕቲ ብዝርዝር ዝቐቀረበ እንትኸውን ብኣካል እናመፁ ብምርኣይ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 14/02/2011 ዓ/ም ጀሚሩ - 25/02/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ክወስዱ ይኽእሉ።

2 እቲ ጨረታ ዕለት 25/02/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት 25/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

3 ካፈቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ብምውሳድ ንሕድሕድ ዓይነት ንበረት ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ድሕሪ ሳንዱቅ ጨረታ ምዕፃው ንዝመፅአ ጨረታ ሰነድ ተቐባልነት የብሉን።

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ንጨረታ መኽበሪ ትሕጃ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪዝተረጋገፀሲፒኦ ብር 1000.00 (ሓደ ሽሕ) ትሕጃ ከትሕዙዝክእሉ፤

6 ተጫረቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ገንዘቡ ጠቅሊሉ ብምኽፋል ንብረቱ ከልዕል ዝኽእል፤

7 እቲቤትፅሕፈትዝሓሸመማረፂእንተረኪቡነቲጨረታብሙሉእይኩንብክፋልናይምስራዝመሰሉሕሉዉእዩ

8 ጨረታ ሳፁን ዝርከበሉ ቦታ ቤ/ፅሕፈት ት/ፋ/ወ/ኢሮብ ከ/ስ/ፋይ/ዕ/ንበ/ምም/ርን ምዃኑ ንሕብር።