https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5113
ቤት ፍርዲ ወረዳ እንዳ መኾኒ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕሉ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ሕትመት፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቑሑት ፅሬትን ናይ ቢሮ ኣቑሑትን፣ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ነጋዶ ጨረታ ሰነድ ካብ 15/02/2011ዓ/ም -30/02/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ኣብ ከተማ ማይጨው ጥቃ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝርከብ ወረዳ እንዳ መኾኒ ቤት ፍርዲ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን መፂእኹም ክትወስዱ ከምትኽእሉ ንሕብር። ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 15, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 30, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መኮኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 30, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ፍቃድ ንግዲን መቅረባይነትን ዘቅርብ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝኽእል

2 ኣብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

3 መኸበሪ ጨረታ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ) ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

4 እቲ ጨረታ ዕለት 30/02/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

5 ተጫራታይ ምስሰዓረ እንተዘይተስማዕሚዑ ዝትሓዞ ገንዘብ ኣይምለስን።

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ እቲ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ብውዕሊ መሰረት ኣታዊ ይገብር።

8 ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፍርዲ ወረዳ እንዳ መኾኒ ከተማ ማይጨው የቅርብ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-770354 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።