https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5092
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ኣብ ወረድኡ ዝርከባ ኣብያተ ዕዮ ኣገልግሎት እናሃባ ዝርከባ መካይን ሞተር ሳይክልን ኣገልግሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቐሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዘእ ስለዝደለየ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም። በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን፣መቅረባይነት መረዳእታ ዘለኩም ናይ 2010/2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፈቃድ ንግዲ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ክትቅርቡ ትኽእሉ ክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 10, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 29, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ናዕዴር ዓዴት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 29, 2011 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/

1 ኣብ ኩሎም ዓይነታት ጨረታ መቅረባይነት ዝትመዝገብኩም ነጋዶ ንዕድም።

2 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ኣታዊ ዝገበርሉ ክሳብ 30/12/2010ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዝሓዘ ከኸውን ኣለዎ።

3 ጨረታ ኣብ ኣየር ክፍቲ ኾይኑ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ግዜ ካብ 08/02/2011ዓ/ም -28/02/2011ዓ/ም ሰዓት 11:30 አብ ዘሎ ግዜ ይከውን።

4 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 29/02/2011ዓ/ም ሰዓት 5:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተኣሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን በቢበይኑ ተፈላልዩ ተዓሺጉ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምመ/ንብረትን ሳንዱቅ ጨረታ ዝኣቱ ኮይኑ አቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 5:30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

5 መኸበሪ ጨረታን መሸጢን ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ብዝርዝር መዐቀኒ ተቀሚጡ ይርከብ።

6 ኻልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሓበሬታታት እውን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወዝርዝር መዐቀኒ ተቀሚጡ ስለዘሎ ካብኡ ኣንቢብኩም ምርዳእ ትኽእሉ።

7 ጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲ ንኹሉ ዓይነት ዕድጊት ብናይ ባዕልኹም መፀዓንን መራገፍን መጓዓዝያን ወፃኢ ሸፊነኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ሰመማ ኣብ ውሽጢ 12 መዓልቲ ክተረክቡ ኣለኩም።

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-570157 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።