https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5079
ኮሌጅ ኪነ -ጥበባት ትግራይ ንምምሃር ምስትምሃር ዘገልግሉ ናይ ፅሕፈትን መሳርሒ : ኣቑሑት መሳርሒ : ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ሙዚቃ መሳርሒ ኣቑሑት፣ ሰነድኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 8, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 30, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 30, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

ኣብቲ ጨረታ ክካፈል ዝደሊ ኣቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቑሒታት

1 ምስቲ ዘቕርቦ ኣቁሑ ተዛመድነት ዘለዎን ሕጋዊ ናይ 2011 ዓ/ም ካብ ሓምለ/ሓደ/ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድን መቅረባይነት ምስክር ወረቀትን ከቕርብ ዝኽእል::

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ (TIN) ዘለዎን ተወሳኪ እሴት ታክሲ ተመዝጋቢ ዝኾነን::

3 አብ ተወሳኪ እሴት ታክሲ (VAT) ተመዝጋቢ ምኻኖም ዝገልፅ ናይ ወርሒ ሓምለ ዲክለር ዝገበሩ ምኻኖም ዝሕብር መረዳእታ ከቕርቡ ይግባእ::

4 ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ 3000 ቅርሺ ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ብጥረ ገንዝብ ባንክታት ስፒኦ ምቕራብ ዝኽእል ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ::

5 አሸናፊ ምኻኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ዘሸነፈሉ ንብረት ዋጋ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ዉዕሊ መክበሪ ጨረታ ወይድማ ስፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 08/02/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30/02/2011 ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ብምዉሳድ ናብቲ ንጨረታ ሳንዱቅ ዝተዳለወ ኣታዊ ክገብር አለዎ::

7 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 30/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ ጨረታ ሳንድቅ ዝኽፈተሉ ዕለት 30/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይክፈት።

8 መንግስታዊ ቤት ዕዮ ኣብ ዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ኣብ ናይ ኣቑሑትን ግልጋሎትን ምዃኖም ዘረጋግፅ መለለይ ካርዲ ዘለዎ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕዙ ኣለዎም።

9 ጨረታ እንትክፈት ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም::

10 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋክል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ::

11 ካብቲ ዝሰዓረ ንብረት 20% ክውስኽን ክቕንስን ይኽእል እዩ።

12 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ዝሓዘ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን።ሓበሬታ እንተሃልዩዎም ኣብ መብርሂ ይሓበሩልና ።

መተሓሳሰቢ

ኣድራሻና ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ዝርከበሉ ቦታ ጥቃ ፎቶ ደስታን ጥዕና ጣብያን መቐለ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-419467 ወይድማ 0348409310 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል