https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5064
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእን ከስርሕን ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 6, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 23, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 23, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ ዝወዳደረሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን : መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ምስክር ወረቀትን : ናይ ቫት ሰርተፊኬት መረዳእታ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል::

2 አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ዲክለር ዝገብርሉ መረዳእታ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል::

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈልኩም ካብ 08/02/2011 ዓ/ም እስካብ ዕለት 22/02/2011 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ምምርን ንብረት ምውሳድ ዝክእል

4 መክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ናብ ብሽም ትልምን ፋይናንስን ዝፍለጥ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 1000077223208 ኣታዊ ብምግባር ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል

5 እቲ ጨረታ 23/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት8:30 ድሕሪ ቀትሪ አብ ከተማ ፍረወይኒ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ይክፈት

6 ዝሰዓርዎ ንብረታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዚን ካልኦት ወፃኢታትን ሸፊኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከቅርብ ዝኽእል

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንትወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-470556 / 0344-470506 / 0344-470279 ደዊልካ ምሕታት ይካአል::