https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5057
ኢንተርፕራዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ናይ ንብረታት ን2011ዓ/ም በጀት ዓመት ኣገልግት ዝውዕሉ ምድብ 1 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ምድብ 2 ኣቑሑት ፅሬት፣ምድብ 3 መለዋወጢ ኣቑሑት መካይን ፣ምድብ 4 ጎማን ባትርን መኻይን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ስለዝደለየ ካበዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ንነብሲ ወከፍ ምድብ ዘይምለስ 50 ብር ብምኽፋል ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 9 ብምዕዳግ ንክተቕርቡ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 5, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 20, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 20, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ብዘርፉ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሐዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትኽእሉ::

3 ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ናይ ቫት ሰርተፊኬት ኮፒ ከተታሓሕዙ ትኽእሉ::

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ ንነብሲ ወከፍ ምድብ 3000 ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእል::

5 ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ 10% ዉዕሊ መክበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ካብ ዝአሰሩ አብ ዉሸጢ 15ተ መዓልቲ ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይገብሩ

6 መቅረባይ ከይፈፀም ካብ ዝተረፈ ጠቅላላ ናይቲ ዉዕሊ ዋጋ በብመዓልቲ 01 ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝከፍል ምካኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ

7 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜምድበ 1-2ተን ካብ ዕለት 03/02/2011 - 19/02/2011 ዓ/ም እንትኸውን ንምድብ 3-4ተን 03/02/2011- 20/02/2011ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

8 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ::