https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5056
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ናይ መኪና ሞተርን ጎማን መለዋወጢ ኣቁሑትን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጥቅምቲ 3, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 19, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ሳሓርቲ ሳምረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 19, 2011 08:45 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/

1 ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝኸልኩምን ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፀሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ካብ 03/02/2011ዓ/ም -19/02/2011 ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ 19/02/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

5 እቲ ጨረታ 19/02/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።

6 ዝቀረበ በዝሒ 10% ምውሳኽ ወይ ምቕናስ ይኽእል እዩ።

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።