https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5011
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሰሜን ንዝተፈላለዩ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቑሑት መሳርሒ ፅሕፈት፣ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግልጋሎት ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 29, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጥቅምቲ 13, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:7000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጥቅምቲ 13, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ : Tin /ቲን : ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገብሉ ናይ መቅረባይ መረጋገፂ ሕጋዊ ማሕተም አብ ሕድሕድ ፖስታን ጨረታ ሰነድን ገይሩ ዘቕርብ::

2 ናይ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ቫት ሪፖርት ከቅርብ ዝክእለ

3 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ት/ፋ/ክ/ከ ሰሜን ዘይመለስ ብር 50.00 በምኽፋል ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ምግዛእ ይካኣል::

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ (ሲፒኦ) መሳርሒ ፅሕፈት 7000.00 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል /ትኽእል::

5 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 28/01/2011ዓ/ም ክሳብ 13/02/2011 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 13/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 13/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት አብቲ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት

6 ሰዓራይ ምስተነፀረ አብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝኮነይኩን ፅሑፍ ምፅሐፍ ኣይፍቀድን

9 ናይ ጨረታ ሰነድ አርጅናልን ፎቶ ኮፒን ከቅርብ አለዎ

10 ናይ ጨረታ መኽፈትን መዕፀውን በዓል እንተኾይኑ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ስራሕ ይኸውን።

ኣድራሻና ንተወሳኪ ሐበሬታ ኣድራሻና 05 ዒላላ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሕልፍ ኢልካ ወይ ድማ ካብ ደምቦስኮ ንምዕራብ ምፅእ ኢልካ እንትከዉን መከለኪያ ዝነበሮዎ ፎቅ G+1 ቁፅሪ 11 ንርከብ::

ንተወሲካ ሐበሬታ ብስልኪ 0344417910ደዉልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::