https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5007
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ዓይኒ ሕክምና ግልጋሎት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ስለዝደለየ ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማለኡ ተካላት ክትዋዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 29, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 12, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 12, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ጠቅላላ ስራሕቲ ኣገልግሎት/ ጥዕና ተንከፍ ዝኮኑ ግልጋሎት/

1 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ኮፒ ከተሓሕዙ እትኸእሉ

2 ካብ ዝምልከቶ ኣካል ዝተውሃበኩም ናይ ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ

3 ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒን ዘቕረብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።ቲኦቲ ምዙግብ እንተኾይኖም እውን ዘቕረብዎ ዋጋ ቲኦቲ ዝሓወሰ ከኸውን ኣለዎ።

4 ሰዓራይ ምዃኖም እንተፈሊጦም ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ኣሲሮም ሰራሕ ክጅምሩ ዝኽእሉ፤

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀነሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 28/01/2011-12/02/2011ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 12/02/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓሺጉ ሰዓት 9:00 ይኽፈት።

6 ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-418556/0914-786075 ምርካብ ይከኣል።

ዓይነት ምርመራ

ተ.ቁ ዓይነት ንብረት
1 ካርዲ ምዝገባ
2 ብኮምፒተር ናይ ርሕቐት መነፀር ምርመራ
3 ናይ ዓይኒ ግፌት
4 ናይ ሰካር ዓይኒ ውሽጢ ደይሌቴሽን
5 ከቢድ መጥባሕቲ
6 ናይ ዓይኒ ምንሽውራር
7 መለስተኛ መጥባሕቲ
8 መደቀሲ 1ይ ደረጃ
9 መደቀሲ 2ይ ደረጃ
10 ካብ ዓይኒ ውሽጢ ፍንጣሪ ምውፃእ
11 ኣብ ዓይኒ መርፍእ ምውጋእ
12 ኣብ ዓይኒ ውሽጢ ዝኣተወ ኣሲድ፣ኬምካል ምሕፃብ
13 ዝተወቅዐ ዓይኒ ምዕሻግ
14 ዋጋ ሌንሰ
  • -ናይ ንባብ
  • -ናይ ርሕቐት

ካብ-----------ክሳብ------––

15 ዋጋ ፍሬም ካብ-----------ክሳብ---------