https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5001
ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ዓዲግራት ን 2011 ዓም በጀት ዓመት ንምምሃር ምስትምሃር ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ህንፃ መሳርሒ : ኤሌክትሪክ ሲቲ (ኤሌክትሮኒክስ)፣ ጋርመንትን : ፅሕፈት መሳርሒ : ኮምፒዩተርን ኮምፒተር ኣክሰሰሪን ፣ ኣውቶሞቲቭን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 26, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 14, 2011 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጥቅምቲ 14, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ተወዳደርቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ክኮኑ አለዎም

2 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩ::

3 ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን / ታክሲ መኽፈሊ ቑፅሪ /TIN NO :ቫት ተመዝገብቲ መቕረባይነት ከቕርብ ዝኽእል::

4 ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋዉሐሉ ካብ ዕለት 28/01/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ዘይምለስ 100 ብር/ ሓደ ሚእቲ ብር/ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ዓድግራት ፖ/ቴ/ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 12ተ ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ እናዓደምና ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ድ/ስ ኮይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ድ.ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

ንተወሳኪ ዝርዝር ሐበሬታ ስቁ 0344-452174 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።