https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4999
ማእኸል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ንኣገልግሎት ቤት ዕዮ ዝውዕሉ መሳርሒ ህንፃ፣መሳርሒ ፅሕፈትን ፣ንመሰልጠኒ ተሃነፅቲ ዝኸውን ኣቑሑት ጣውላን ሓፂን መፂንን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 26, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥቅምቲ 16, 2011 04:20 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጥቅምቲ 16, 2011 04:40 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለኩም

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም

4 ወረቐት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ ትኽእሉ

5 ናይ ወርሒ ሓምለ( ነሓሰ 2010ዓ/ም ) ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝኽእሉ

6 መኸበሪ ጨረታ (ቢድ ቦንድ) ንመሳርሒ ፅሕፈት፣ንናይ ህንፃ ፅገናን ተሃነፅቲ መሰልጠኒ ሓፂን መፂንን ንሕድሕድ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 መኸበሪ ጨረታ (ቢድ ቦንድ) መሳርሒ ህንፃ ካፒታል በጀት 15000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

7 ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ 25/01/2011ዓ/ም ጀሚሩ -16/02/2011ዓ/ም ካብ ከይዲ/ስ/ዕ/ንምም/ር/ንብ/ፋይ/ን ማእኸል ቤት ህንፀት ዓዲ ግራት ቢሮ ቑፅሪ 9 ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናኽፈልኩም አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ብምውሳድ ንፁር ኣድራሻኹም ብምፅሓፍ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ከይዲ/ስ/ዕ/ንምም/ር/ንብ/ፋይ/ን ማእኸል ቤት ህንፀት ዓዲ ግራት ቢሮ ቑፅሪ 9 ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይኽእሉ።

8 ጨረታ ዝዕፀወሉ 16/02/2011ዓ/ም ኾይኑ መሳርሒ ፅሕፈት ሰዓት 4:20 ቅ.ሰዓት ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:40 ይኽፈት።ናይ ካፒታል በጀት ህንፃ ፅገና ናይ ተሃነፅቲ መሰልጠኒ ጣውላን ሓፂን መፂን ሰዓት 8:20 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:40 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።እንተዘይሃልዮም ውን ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተኣጓጎልን።

9 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-450953 ምድዋል ይከኣል።