https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4978
ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 23, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 30, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 30, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2010/2011፣ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :ቲን /TIN/ : መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓም ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዘኾንሉ፣

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕዳጋ ካብ 15/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 50.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ 15,000.00 ብር ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 30/01/2011 ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ/ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ/ በቢበይኑ ብምዕሻግ ፖስታ ክቅርብ ኣለዎ ።

6 ዝኮነ ይኩን ተወዳደሪ ብቤት ዕዩና ዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይከኣልን

7 ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ኣብ ዝምረፀሉ እዋን ካብ ሕድሕድ ዝተገዝአ ኣቅሓ 20% ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰል ኣለዎ።

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 ኣድራሻና ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 034 እዩ

10 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 408757 /0344408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::