https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4965
ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይን ማእኸላዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ዘገልገለ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማለኡ ክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 21, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 28, 2011 08:45 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:1000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መስከረም 28, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 መኸበሪ ጨረታ ብር 1000.00 ሓደ ሽሕ ( ሓደ ሽሕ ብር) ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ከትሕዝ ዝክእል

2 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ክወስድ ዝኽእል

3 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ንብረት እንተዘይተወሲዱ ንመኸበሪ ጨረታ ዘተሓዞ መጠን ገንዘብ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን።

4 ተጫረቲ እተቕርብዎ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር ተመሊኡ ከቅርቡ ይግባእ። ንፁር እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ውድድር ወፃኢ ከምዝኸውን ነፍልጥ።

5 ንመሸጣ ዝተዳለወ ንብረት ናብ ኤጀንሲና ብኣካል ብምምፃእ ኩነታት እቲ ንብረት ሪኦም ዋጋ ክመልኡ ኣለዎም።

6 ንመሸጣ ዝተዳለወ ዝርዘር ንብረት ካብ ኤጀንሲና ምውሳድ ዝክእሉ ኮይኖም ካብ ዕለት 18/01/2011 ዓ/ም - 28/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:45 ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝረከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 5ይ ደብሪ ኤጀንሲ ልምዓት ኣናእሽተይ ማእኸከላዎትን ማኑፋክቸሪንገ ኢንዱስተሪ ክልል ትገራይ (ዳይሬክቶራት ዕደጋ ፣ፋይናነስን ንብረት ምምሕዳርን) ክተቕርቡ ንዕድም።

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 28/01/2011 ዓ/ም 8:45 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፍት ኮይኑ ተወዳደርቲ እንተዘይተረኺቦም እውን ጨረታ ዝኽፍት ይኽውን።

8 ተወዳደርቲ ኣድራሻኦም ፣ ሽሞምን ሞባይል ቁፅሮምን ብንፁር ክመልኡ ኣለዎም።

9 ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-400009 ምሕታት ይከኣል።