https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4953
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ክሰርሕን ይደሊ።መደብ 1 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት፣መደብ 2 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት፣መደብ 3 ናይ ምርምር መሳለጢ ዝኸውን ግሪን ሃውስ ኮንስትራክሽን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣላማጣን ኸባቢኣን ክሰርሕ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 18, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 1, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥቅምቲ 1, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሒታት ምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትኽእሉ ነፍልጥ።

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣መቕረባይ ሰርቲፊኬት ፣ቲን ናምበር፣ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ከቐርብ ዝኽእልን ብፍላይ ድማ ቕድሚ ሐዚ ግሪን ሃውስ ምስርሑ መረዳእታ ከተሓሕዝ ዝኽእል።

2 ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ንመደብ 1 ን 2 5000.00(ሓሙሽተ ሽሕ) ንመደብ 3 30000.00( ሰላሳ ሽሕ) ብኢንስቲዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ስም ሲፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ተመዝገብትን ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ኣለዎም።

4 አብ ናይ ጨረታ ሰነድ ንመደብ 1ን2 ፋይናንሻል ኮፒን ንመደብ 3 ፋይናንሻል ቴክኒካል (ኦርጂናል) ንሕድሕድ ኣብ ፖስታ ተዓሺጉ ከቐርብ ዘለዎ እንትኸውን ብተወሳኺ ፋይናንሻል፣ቴክኒካል (ኮፒ) ንሕድሕድ አብ ፖስታ ተዓሺጉ ክቐርብን ናይቲ ትካል ባዓል ስልጣን ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ።

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 09 ዘይምለስ 30( ሰላሳ ብር) ከፊሎም ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይኽእሉ።

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃልዮዎም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስ.ቁፅሪ 0344-402801 ምሕታት ይከኣል።

7 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት 14/01/2011 ዓ/ም -01/02/2011 ዓ/ም ኮይኑ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኢንስቲዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 09 ይኽፍት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተዘይረኺቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት አይተኣጓገልን።

8 ኢንስቲዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-402801