https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/495
ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ አብ 2007 በጀት ዘመን ን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶን መቕረብትን ንክትወዳደሩ ይዕድም::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 3, 2007 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 15, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:ዓዲግራት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

       

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ አብ 2007 በጀት ዘመን ን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶን መቕረብትን ንክትወዳደሩ ይዕድም::

1 ተጫረቲ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ብአዋኑ ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ሓድሽ ናይ መቕረባይ ሰርተፍኬትን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ(TIN) ዋናን ኮፒን ከቅርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ አለዎም::

2 ተጫረቲ ብቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅረብ::

3 ካብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ -17 ብምዉሳድ ንተቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድዋጋ ብሸምዒ ብዝተአሸገ ፖስታ ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታዉ ክተወዳደሩ ትኽእሉ::

4 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ብር 5000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ካብ ዝተፈለጠ ባነኪ ብዘወሃብ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል::

5 ምስ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዉዕሊ ድሐሪ ምፍራም ዝተትሓዝ መክበሪ ጨረታ ንዝተሰዓሩ ተጫረቲ ወድያዉኑ ይምለስ::

6 ዕዳጋ ፈፃሚ አካል ዝሐሸ መነገዲ እነተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን በሙለእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

7 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉ ቦታ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ  17 ብር 30.00 ብምኽፋል ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኻንኩም ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ካብ 1/10/07 ዓ/ም ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፈቲ ይከዉን::

8 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/10/07 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ምስተዓሸገ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተከብሉ ዕለት 15 /10/ 07 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:30 አብ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ -17 ይኽፈት::

9 VAT ተመዝገበቲ ናይ ወርሒ ማይዝያ 2007 ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ::

10 ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወ ቋንቋ  ብትግርኛ መኻኑ::

11 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034 445 1887 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::