https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4941
ሆስፒታል መቐለ ንበጀት ዓመት 2011 ንሕሙማት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሰብ መድሓኒት ሕክምና ናውቲ ናይ ላብራቶሪ ሪኤጀንት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝአ ይደሊ ቢዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ ንተማልኡ መቅረብቲ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 15, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 25, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 25, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኬሚካልን ሪኤጀንት/ ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/ ናይ መድሓኒት ምህርቲ/

1 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ቲን ቁፅሪ መረጋገፂ ዘቕርብ፣ሓድሽ መቕረባይነት ዝርዝር ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ፎቶኮፒ ዘቕርብ

2 መኽበሪ ጨረታ ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረገገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

3 ዝሰዓረ ተጫረቲ ንዘቅረቦ ሪኤጀንትን ናብ ሆስፒታል ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከመፅእ ዝኽእል

4 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ዘሓዘ ሰነድን ኣብ መዐሸጊ ፖስታን ሽሞምን ፊርማን ናይ ትካልኩም ማህተምን ከዕርፉ ይግባእ

5 ንመኽበሪ ውሕሰና ጨረታ ዝቐርብ ብሲፒኦ ኣብ ውሽጢ ፖስታ ተዓሺጉ ክቐርበ ይግባእ

6 ዋጋ ጨረታ ሰነድ ብር 50.00(ሐምሳ ብር) እዩ

7 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ አዋን ካብ ዕለት 10/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 25/01/2011 ዓ/ም ንተኸታታሊ 15 መዓልትታት ሰነድ ጨረታ ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ፋይናንስ ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ C 2 እንዳገዛእኹም ምውሳድ ትኽእሉ

8 ሰነድ ጨረታ ዝምላእ ዋጋ ኣብ ናይ ትካልና ዘዳለዎ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ ካብዚ ወፃኢ ተቀባልነት የብሉን

9 እዚ ጨረታ ዕለት 25/01/2011 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ሰብ ዋና ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፍት

10 ዘቐረበ ሰነድ ጨረታ ዝተመልአ ኮይኑ እንተተረኺቡ በዓልዋና ብዘይበሉ ክኽፈት ይኽእል።

11 ሆስፒታል መቐለ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ።

12 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሕ ድሕሪ ምኽፋት ጨረታ 60 መዓልቲ እዩ

13 ሆስፒታል መቐለ ኣብዚ ጨረታ ምልክታ ዘየካተቶም ብመምርሒ ዕደጋ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ተገዛኢ ዝኸውን