https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4931
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ቀፂሎም ዘለው ንብረታት ማለት ፣ ዴስክ ኮምፒዩተር በዝሒ 20 ፣ ላፕቶፕ ኮምፒዩተር core I7በዝሒ 17፣ ላፕቶፕ ኮምፒዩተር core I5 በዝሒ 3፣ ግራፊክ ንሚድያ ዎርክ ሾፕ ስቴሽን ዝኾና ኮምፒዩተራት በዝሒ 14፣ ኤየር ኮንዲሽነር በዝሒ 2፣ ጀነሬተር በዝሒ 1 ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቐሪቡ ዘሎ ስፔስፊኬሽን ንኸተጫረቱ ብኽብሪ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 14, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 22, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 22, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቐሪቡ ዘሎ ስፔስፊኬሽን ንኸተጫረቱ ብኽብሪ ይዕድም።

1 ናይ 2010ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐዱስን ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ተመዝገብቲ ዝኾኑን፣

2 ውሕስና ጨረታ 10% ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ካብ ባንኪ ዝተውሃበ (ዝተረጋገፀ) ቼክ ከቕርብ ዝክእል

3 ዶኪሜንት ጨረታ ኩልግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 10/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምኽፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ቢሮ 308 ዶክሜንት ክትወስዱ ትኸእሉ

4 ዶኩሜንት ጨረታ ፋይናንሻል መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ 409 ክትቕርቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር

5 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 10/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ንዓሰርተ (10) ናይ ስራሕ መዓልትታት ብምፅናሕ ዕለት 22/01/2011 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፂዩ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 4ይ ፎቅ ኣብ ዝርከብ 404 ኣዳራሽ ይኽፍት።

6 ሰዓራይ ትካል ምስተፈለጠ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ (10) መዓልትታት ብናይ ባዕሉ መጓዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ።

7 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምሳረዝ መሰሉ ዝተሓላወ እዩ።

8 እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ዌብሳይት ድምፂ ወያነ ትግራይ www .dimtsiweyane tigray.com ወይ ድማ ብፌስቡክ ኣድራሻና ኣብ dimtsi weyne tigray ድወት / facebook .com ኣድራሻ ምርካብ ይከኣል።ወይድማ ብኣካል ብምምፃእ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ምውሳድ ይከኣል እዩ።

ንተወሳኺ ሐባሬታ ብስ.ቁ 0344-410544/46 በፖሰታ ቁፅሪ 450