https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4926
ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳርን ኣብያቲ ክልል ትግራይ ንቤት ዕዮና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዝኾነ ተጫረቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘኒ ረቋሒታት ብምምላእ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 11, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 22, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 22, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ (Vat) ዝተመዝገቡ

3 ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ/ም ወርሓዊ ዲክላራስዮን ዘማልኡ Tin number ዘለዎም

4 አብ መንግስቲ መቕረበቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዘረጋግፅ ወረቀት ምስክር

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 100.00 ብር ብምኽፋል ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ መስከረም 08/2011 ዓ/ም ኣትሒዞም ካብ ኤጀንሲና ቢሮ ቁፅሪ 14 ምርካብ ይኽእሉ።

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና ብር 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ከቐርቡ ኣለዎም።

7 እቲ ጨረታ ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 08/01/2011 -22/01/2011 ዓ/ም ኮይኑ አብቲ ናይ መወዳእታ ዕለተ ሰዓት 4:00 ተዓዕዩ ሰዓት 4:30 ይኽፈት።

8 ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-418515 ወይ 0344-418514 ምድዋል ይከኣል።