https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4910
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ሎሚዘበን ንዝበዓል ዓለም ለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ንተጉዓዝቲ መጓዓዝያ ዝኸውን መኪና 60 ሰብ ዝሓዛ 3 ኣውቶብስን ሓንቲ 15 ሰብን ትፅዕን ሃይሩፍን ክካረይ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 9, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 22, 2011 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 22, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

                                               ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይን መፍለይ ቁፅሪ (Tin Number) መረጋገፂ ዘቅርቡ

2 ካላውዶ ዝገበረት

3 ኢንሹር ዝኾነት

4 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 08/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ምውሳድ ይከኣል

5 እቲ ጨረታ ዕለት 08/01/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ዕለት 22/01/2011 ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕፀው።

6 ጨረታ ዕለት 22/01/2011 ሰዓት 9:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኽፈት።

7 ነታ መኪና ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ዘቅርብ

8 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ አዩ።

9 ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ንክተእትው ንሕብር።

ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ቶ ደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀዳማይ ደብሪ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ0344-400177 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።