https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4864
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጉሎመከዳ ኣብ ወረድኡ ንዝርከብ ኣብያተ ፅሕፈታት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ሃለቅቲ ናይ ፅሕፈት መሳርሕታት: ፅሬት ኣቅሑት: ኤሌክትሮኒከስ ኣቅሑት :ናይ መካይን መለዋወጪ ኣቅሑት: ናይ ሞተር ሳይክላትን ሳይክላትን መለዋወጢ ኣቅሑትን ሕትመት ግልጋሎት ከምኡድማ ናይ ሞተር ሳይክላት ፅገናን ሰርቪስን ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕግድ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጳጉሜን 2, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 21, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ጉሎመከዳ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መስከረም 21, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ናይ ተጫረቲ ሽም: ፊርማ :አድራሻ :ማሕተም አብቲ ሰነደ ጨረታ ክህልዎ አለዎ 

2 ናይ 2010/11 ዓም በቢ ዓዉዲ ስርሑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቃድ ቲን ናምበር ዝተሐደሰ መቅረባይነት :ቫተ ዝተመዝገብሉ ሰርተፊኬት ወርሓዊ ቫት ናይ ወርሒ ሓምል 2010 ዲክሌር ዝገበርሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ኮፒ ከቅርብ ዝክእሉን ከምኡድማ ንናይ ፅሬት ኣቅሑት: ኤሌክትሮኒከስ ኣቅሑት ንናይ ሞተር ሳይክላት ግልጋሎት ፅገናን ሰርቪስን ቫት ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን መረዳእታኩም ብምቅራብ ክትወዳደሩ ከምትክእሉ

3 ብመሰረት እዚ ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ጀሚሩ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ 

4 ናይ ጨረታ መክበሪ ንናይ ሃለቅቲ ፅሕፈት መሳርሒ ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቅሑት ንሕድሕድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይዉን ብጥረገንዘብ ብር 6000 ከምኡድማ ንናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑት: ፅሬት ኣቅሑት :ኤሌክትሮኒከስ ኣቅሑትን :ሕትመትን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይዉን ብጥረገንዘብ ብር 4000 ከምኡድማ ንሞተር ሳይክል ፅገና 3000 ቅርሺ ብሽም እቲ ቤት ፅሕፈት ከትሕዙ ዝክእሉ 5 ጨረታ ዝዕፀወሉ 21 መስከረም 2011 ዓም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም 21 መሰከረም 2011 ዓም ሰዓት 4፡30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኣብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምምር/ን ይከዉን

6 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እንተደኣ ብካላንደር ዝዕፆ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይፍፀም

7 ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን45 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ኣብቲ ዘቅርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ 

8 ተወዳደረቲ ዋጋ እትመልኡ ኣብ ዝወሰድክምዎ ዝርዝር ስፔስፊኬሽን ኣብ ዝተደለወ ቅጥዒ ጥራሕ ይከዉን በዚ መሰረት እትመለእዎ ዋጋ ድማ ቫተ ዝሐወሰን ናይ ኣቅሓ መፅዓንን መራገፍ ድማ ካብ መቅረባይ ዝሽፈን ምካኑ

ተጫረቲ ጨረታ እንጫርተሉን ዝክፈተሉን ቦታ ኣብ ወረዳና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ምካኑ ፈሊጦም ክጫረቱ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም 

 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344340126/28 ሞባይል 0914124252 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል