https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4857
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2011 በጀት ዓመት ካብ መደበኛ በጀት አብ ወረድኡ ንዝርከባ ኣብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፀሕፈትን ካልኦት ሃለቅቲ አቁሑትን አቁሑት ፅሬት ኤለክትሮኒክስ አቅሑት ቢሮ ሕትመት ዕጥቂ ስፖርት መለዋወጢ አቁሑት መኪና ጎማን ካላማደርያን መኪናን መለዋወጢ አቁሑት ሞተር ሳይክልን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ነሓሰ 29, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 8, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ወልቃይት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 8, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

በዚ መሰረት ተወዳደረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቆሒ 

1 ኣብ 2010ን 2011ን ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዘረፉ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረብቲ ሰርትፈኬትን ዋናን ኮፒን:: 

2ናይ መለለይ ቁፅሪ /TIN/ን VATን ሰርቲፌኬት ዋናን ኮፒን:: 3 ናይ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓም ዓዲ ዉሸጢ እቶት ኣታዊ ዝገበረሉ ወረሓዊ ድክለሬሽን ዋናን ኮፒን:: 

4 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ ዘዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ን ሎት ሓደ መሳርሒ ፅሕፈት ካልኦት ሃለቅቲ አቁሑት 18000 ቅርሺ ሎት 2 ሕትመት 3000 ቅርሺ ሎት 3 አቁሑት ፅሬት ነፃ ሎት 4 ዕጥቅን ናዉትን ስፖርት ነፃ ሎት ሓሙሽተ አቁሑት ኤለክትሮኒክስ 3000 ቅርሺ ሎት 6 አቁሑት ቢሮ 1000 ቅርሺ ሎት 7 መለዋወጢ አቁሑት ሞተር ሳይክል 1000 ቅርሺ ሎት 8 ጎማን ካላማደርያን መኪና 8000 ቅርሺ ሎት 9 መለዋወጢ አቁሑት መኪና 10000 ቅርሺ ብ ጥረገንዘብ ወይ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ:: 

5 ሰዓራይ ጨረታ ብናይ ባዕሉ መጉዓዝያ/ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት አጉዓዒዙ ኣብ ከረክብ ዝክእል

6 ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ ናይ ዘሰዓሮ 10% ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል 7 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 28/12 /2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 8/ 1/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም 

8 እቲ ጨረታ 8/01/ 2011 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ይኽፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ጨረታና ኣበ ዝኽፈተሉ ቦታነ እዋንን ኩሉ ሕሰብ ቀሪቡ ክዕዘብ ንዕድም:: 

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0913331379 ወይ 0914748805 ወይ 0918034591