https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4832
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ጥሙር ዕድጊት ንከተማ ዓብይ ዓዲ ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ኣቅሑት ፈርኒቸር : ኣቅሑት ፅሬትን : ስፖርት ዕጥቅን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 23, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 9, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ዓ/ዓዲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 9, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2010 ዓ/ም ዘሐደስኩም::

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክሲ/ቫት/ ኾይኖም ናይ ወርሒ ሓምለ ኣታዊ ዝገብሩሉ ዋንኡ ምስ ሐደ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ::

4 ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ናይ ግብሪ ኸፋለይ መለለይ ካርድ (TIN) ዘለኩም::

6 ንጨረታ መክበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 6000 ቅርሺ : ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 6000 : ንኣቅሑት ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ ሽሕ : ንኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ :ንናይ ስፖርት ዕጥቂ 3000 ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ 9 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ አበ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ እናተሓሳሰበና::

9 ምልክታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካበ ዕለት ካብ 22/12/2010 ዓ/ም ክሳብ 9/01/2011 ዓ/ም እንትከዉን 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 9/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 9/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ::

12 እቲ ዝሰዓረዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ከተማ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስነ ናይ መጎዓዝያ ሓዊሱ ዛቅረብ

13 ቤት ፅ/ትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንክካእ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344460058 /1121 ብምድዋል ይሕተቱ::

ኣድራሻ : ፊት ንፊት ኢትዩጰያ ንግዲ ባንክ ጨንፈር ዓ/ዓዲ