https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4641
ኢንተርፕራዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ብዘሎ መጠን መሰረት ናይ Aluminum ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 1, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 14, 2010 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሰነ 14, 2010 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲ ኣልሙኒየምን ኣቁሑትን/

1 ብዘርፉ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሐዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትኽእሉ::

3 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ቫት ሰርተፊኬት ኮፒን TIN ቑፅሪ ዝሐዘ ኮፒን ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ ወርሒ የካቲት ቫት ዲክለር ዝገበርክምሉ ኮፒ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ተወዳደርቲ እትሰርሕዎ ስራሕ ብናይ ባዕልኩም ንብረት ሰብ ሓይሊን ምካኑ ፈሊጥኩም ክትወዳደሩ እትክእሉ

6 ናይ ጨረታ መኽበሪ 3000 ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእል::

7 ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ 10% ዉዕሊ መክበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ካብ ዝአሰሩ አብ ዉሸጢ 15ተ መዓልቲ ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይገብሩ

8 መቅረባይ ብዉዕሊ መሰረት እዋኑን ፅሬቱን ዝሐለወ ስራሕ ሰሪሖም ክረክቡ እንተዘይክኢሎም ንዉዕሊ ምክበሪ ዘትሓዝዎ 10% ናብ መንግስቲ ካዝና ዝዉረስ ምካኑ

9 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 30/09/2010 - 14/10/2010ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

10 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ:: ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344418556 ምርካብ ይካአል እዩ::