https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4624
ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2010 ዓም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ መለዋወጢ አቁሑትን ጎማታት መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ዕድጊት ክፍዕም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጉንበት 25, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 11, 2010 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 11, 2010 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/

1 ናይ 2010 ዓ/ም ንግዲ ፋቃድ ዘለዎ : ቲን ቁፅሪን ዘለዎ : ኣብ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ዝሐደሰን ዘለዎን

2 ብተወሳኪተወሳኪ አሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ መጋቢት ዲክለር ዝተገበረሉ ከቅርብ ዝክእል

3 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ 2000 ብር CPO ከትሕዙ ዝክእሉ

4 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/10/2010 ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 11/10/2010 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኽፈት አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ

እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል እዩ