https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4599
ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ዝተፈላለዩ ዘገልግሉ ቀወምቲ ንብረታት ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 21, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 24, 2010 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 24, 2010 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ዕንፀይቲን ስራሕቲ ዕንፀይቲ/ ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ናይ ምጭራት ዓቅሚ ዘለዎ ኩሉ ምስታፍ ዝክእል ምካኑ

2 እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 16 /9/2010 ዓም ክሳብ ዕለት 24 /9/2010 ዓም ንተከታታሊ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ጨረታ ሰነድ ብምግዛእ ክጫረት ዝክእል

3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 30 ዘይምለስ ገዚኡ ክወስድ ዝክእል

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 5000 ብስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል

5 ተጫረቲ እቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ካብ ዝሰዓርዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ከልዕል አለዎ እንተዘይ አልዒሉ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ብሕጊ ፋይናንስ መሰረት ይዉረስ

6 እቲ ጨረታ ዕለት 24/9/2010 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ ሰዓት 9:00 ናይ ንጉሆ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይክፈት

7 ተጫረታይ ንዝሸነፎ ጨረታ ናይ ጉልበት ዋጋ ይኩን ንዝምዘኑ ንብረታት ናይ ሚዛን ኪራይ ወይ ካልኦት ወፃኢታት በሙሉኦም ባዕሉ ክሽፍን ዝክእል

8 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ናይቲ ንብረት በዝሒ ክቅንስን ክዉስክን ስለዝክእል እዚ አብ ግምት ዉሽጢ ብምእታዉ ክጫረት ዝክእል

ኣድራሻ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 4 ክከተማ 1ይ ወያነ ቀበሌ 17 ጥቃ ጥዕና ጣብያ ወይድማ ፎቶ ደስታ ቁፅሪ1

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342409467/ 0914009067