https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4558
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2010 በጀት ዓመት ካብ መደበኛ በጀት አብ ወረድኡ ንዝርከባ ኣብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 13, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 23, 2010 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:ወልቃይት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 23, 2010 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

መሰረት ተወዳደረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቆሒ

1 ኣብ 2010 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዘረፉ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረብቲ ሰርትፈኬትን ዋናን ኮፒን::

2ናይ መለለይ ቁፅሪ /TIN/ን VATን ሰርቲፌኬት ዋናን ኮፒን::

3 ናይ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓም ዓዲ ዉሸጢ እቶት ኣታዊ ዝገበረሉ ወረሓዊ ድክለሬሽን ዋናን ኮፒን::

4 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ ዘዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ን ሎት ሓደ ኤለከትሮኒክስ 10000 ቅርሺ ብ ጥረገንዘብ ወይ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ሰዓራይ ጨረታ ብናይ ባዕሉ መጉዓዝያ/ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት አጉዓዒዙ ኣብ ከረክብ ዝክእል

6ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስ ተገለፀ ናይ ዘሰዓሮ 10% ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

7ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 8/09 /2010 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 23/ 09/2010 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም

8 እቲ ጨረታ 23/09/ 2010 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ይኽፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ጨረታና ኣበ ዝኽፈተሉ ቦታነ እዋንን ኩሉ ሕሰብ ቀሪቡ ክዕዘብ ንዕድም::

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0913870684 ወይ 0913331379