https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4503
ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ናይ ስፔር ፓርትን ህንፃ መሳርሒን (ሎት 1 ን 2)ን 2010 ዓም ብመደበኛ በጀት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 3, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 14, 2010 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጉንበት 14, 2010 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ ንግዲ ፍቓዶም ዘሐደሱ ቲን ቑፅሪ ዘለዎም ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ መጋቢት 2010 ዓ/ምናይተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዲክለር ዝተገበሮ መረዳእታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ክተሓሓዝ አለዎ::

2 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብሽም ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ዝተሰርሐ ናይ ስፔር ፓርትን ህንፃ መሳርሒን ብር 5,000 ስፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ ኦርጅናልን ኮፒን ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ካብ ዕለት 30/08/2010 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 13 ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 14/09/2010 ዓ/ም ዘሎ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታዉ ይኽኣል::

4 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዶክመንት ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ አለዎ::

5 እቲ ጨረታ ዕለት 14/09/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት::

6 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብምትሓዝ ካብ ዘአተወሉ ዉዕሊ እዋን ጀሚሩ ንብረት ኣታዊ ይገብር::

7 እቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 25% ምውሳኽን ናይ ምቕናስን መሰል አለዎ::

8 ተጫራታይ ግልፂ ኣብ ዘይኾነሎመ ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሐየሺ ሕቶ ከቅ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን::

9 ዘሸነፎ ድርጅት ኣብ ዉሽጢ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ከብ ዘሸነፈሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንብረት ከእቲ ዝክእል

10 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ፋይናንስን ዕዳጋ ንብረት ምምሕዳር ምሕታት ይከኣል

ኣድራሻ ማእኸል ምርምር ሕረሻ መቐለ ዒላላ ታፈረ ስብሓት መናፈሻ ፊት ንፊት

ስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 80 29