https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4436
ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንት ምርግጋፅ ዉሕስና ምግቢ ከተማታት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 17, 2010 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 2, 2010 02:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 2, 2010 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2010 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :ቲን /TIN/ : መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ መጋቢት 2010 ዓም ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕዳጋ ካብ 16/8/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ብር 50.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ 4,000 ብር ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 2/09/2010 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 2/09/2010 ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ/ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ/ ዝተዓሸገ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::

6 ዝኮነ ይኩን ተወዳደሪ ብቤት ዕዩና ዝተዳለወ ስሩዕ ሰነድ ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይከኣልን

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8 ኣድራሻና ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 034 እዩ

8 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 408757 /0344408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::