https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4331
ኮሌጅ ኪነ -ጥበባት ትግራይ ንምምሃር ምስትምሃር ዘገልግሉ መሳርሒ ፅሕፈት ስእልን ስሩዕን፣መሳርሒ ህንፃ፣ ኣቑሑት ኤለክትሮኒክስ ስሩዕን ናይ ሙዚቃን:ቀዋሚ አቁሑትን ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 26, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 18, 2010 02:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 18, 2010 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ብመሰረት እዚ ተጫራቲ ሕጋዉን ዝተሓደሰን ፍቃድ ንግዲ 2010 ዓም ከቅርብ ዝክእል

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎን ተወሳኪ እሴት ታክሲ ተመዝጋቢ ዝኾነን

3 አብ ተወሳኪ እሴት ታክሲ (VAT) ተመዝጋቢ ምኻኖም ዝገልፅ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቕርቡ ይግባእ

4 መኽበሪ ጨረታ ነነፍስወከፍ ጨረታ ሰነድ 3,000.00 ቅርሺ ብብሄራዊ ባንኪ ዝተረጋጋፀ ሲፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ምቅራብ ዝክእል ወይድማ ብጥረገንዘብ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰዓራይ ጨረታ ምካኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ንዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚኢታዊ ዉዕሊ መከበሪ ዘትሕዝ ኣትሒዙ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ኮለጅ ኪነጥበባት ትግራይ ኣታዊ ክገብር ዝክእል

6 ንነፍስወከፍ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋናንስን ምምሕዳር ንብረትን ካብ ዕለት 24/07/ 2010 ዓም ክሳብ ዕለት 17/08/ 2010 ዓም ምዉሳድ ይክእሉ ናብቲ ንጨረታ ዝተዳለወ ሳንዱቀ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም

7 ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 18/08 /2010 ዓ/ም ሰዓት 2:30 ኮይኑ ጨረታ ሳንድቅ ዝኽፈተሉ ዕለት 18/08/2010ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይከዉን

8 ኣብ ምንግስታዊ ቤት ዕዩ ኣብ ዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ኣብ ናይ ኣቕሑትን ግልጋሎት መቕረብቲ ምኻኖም ዘረጋገፅ መለለይ ካርዲ ዘለዎ ቅዳሕ ገይሮም ከትሓሕዙ አለዎም::

9 ጨረታ እንትክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ይግባእ

10 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋክል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ::

11 እቲ ኮለጅ ካብቲ ዝሰዓረ ንብረት 20% ክዉስክን ክቕንስን ይኽእል::

12 አብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርዝር ዝሐዘ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን ሓበሬታ እንትሃልይዎም አብ መብርሂ ይሓብሩልና:: 0342419467 ወይ 0914010487