https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4324
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ንዝተፈላለየ አብያተ ዕዩ መንግስቲ ዝጥቀማሎም ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ናይ ፅሕፈት መሳርሒታት: ናይ ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን ኣቅሑት: ናይ ፅሬት ኣቅሑት: ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 25, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 4, 2010 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ደጎዓ ተምቤን
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 4, 2010 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 በቲ መስመር ዝታሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን መቅረባይነት ዝተመዝገብኩሙን ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

2 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት ብር 3000 ሕጋዊ ብዝኮነ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትዝሕ ዝክእል

3 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቓለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ 30 ብምክፋል ካብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቤት ፅ/ት ት/ፋ ወ/ደ/ተምቤን

4 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 19/7/2010 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 3/8/2010 ዓም ካብ ት/ፋ ወ/ደ/ተምቤን መፂእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

5 ናይ ሕድሕድ ደኩመንት ኦርጅናል ኮፒን በ2ተ ፖስታ ብሽምዒ ዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል

6 መከበሪ ዉዕሊ 10% ናይቱ ዝሰዓረዎ ድምር ዋጋ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ሰዓርቲ ሰዓራይነቶም ምስ ተገለፀሎም ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ምስ ኣስሩ ኣብ ዉሽጢ ሓፂር መዓልታት እቲ ንብረት ብዝቐረበ ስፔስፊኬሽን መሰረት መጎዓዝያ መራገፍን ካብ መቅረባይ ኮይኑ ናብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ ወ/ደ/ተምቤን መክዝን ኣታዊ ክገብር ዝክእል

8 ቫት ተመዝገብቲ ዝመልኡዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ክከዉን አለዎ

9 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ፅሕፈት መሳርሒን ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን 4/8/2010 ዓም 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፅ/ት ት/ፋ ወ/ደ/ተምቤን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ሃገረ ሰላም ይክፈት

10 ንመኪና መለዋወጥን ፅሬት መሳርሒን 5/8/2010 ዓም 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፅ/ት ት/ፋ ወ/ደ/ተምቤን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ሃገረ ሰላም ይክፈት

11 ዝወሰድዎ ስሩዕ ጨረታ ምስቲ መምልኢ ዋጋ ብፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ሳንዱቅ ጨረታ ከረክብ አለዎ

12 ኣብቲ ጨረታ ዝኮነ ዜጋ መፂኡ ከዕዘብ ይክእለ እዩ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0343390402 ወይ ብኣካል ምሕታት ይከኣል