https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4296
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ዓይደር ንቤት ፅሕፈት ምምሕዳር አዳራሽ ዝከዉን ወንበር ጠረዼዛ ማንታርቦን መጋረጃን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክነስርሕ ስለዝደለና ሕጋዉያን ነጋዶ ክትጫረቱ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 21, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 4, 2010 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 4, 2010 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይ ዘመን ግብሪ ዝከፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድ :ቲን /TIN/ : እዋናዊ VAT (ቫት ዲክሌር) ዝገበረን ንግሪነሪ VATን TOT ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገቡ መረጋገፂ ዘቅርብን 2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፍኬሽን ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 19/7/2010 ዓ/ም ክሳብ 04/8/2010 ዓም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይከኣል

3 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 04/8/2010 ዓም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 04/8/2010 ዓም ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይክፈት ተዘይሃለዉን ዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፐስታ ብስርዓት ይክፈት ይግምገምን

4 ናይ ጨረታ መክበሪ ንወንበር ብር 5000 ንማንታርቦ 3000 ቅርሺ ንመጋረጃን 3000 ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ብሰፒኦ ከትሕዝ አለዎ

5 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ሰነድ ቴክኒካል ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ፋይናንሻል ብክልተ ፖስታ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒን ብዝተዓሸገ ፖስታ የቅርብ

6 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት አጋዒዙ ዘረክብ

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ እቲ ጨረታ ቡሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ ኣድራሻና ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ታሕታወይ በሪ ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344418437 ደዊልካ ምሕታት ይክእሉ