https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/4282
ኢንተርፕራዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2010 በጀት ዓመት ዘድሊ ኮምፒተርን ተዛመድቲ አቁሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 18, 2010 (ልዕሊ 8 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 3, 2010 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 3, 2010 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/

ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርረቲ ዘይምለስ 50 ብር ብምክፋል ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ንክትወዳደሩ ንዕድም

1 ብዘርፉ ናይ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን TIN ቑፅሪ ዝሐዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትኽእሉ::

3 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ቫት ሰርተፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትክእሉን እተቅርብዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰን ክከዉን አለዎ ናይ ወርሒ ጥሪ ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ 3000 ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእል::

5 ዝተአዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ 10% ዉዕሊ መክበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ካብ ዝአሰሩ አብ ዉሸጢ 30 መዓልቲ ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይገብሩ

6 መቅረባይ ከይፈፀም ካብ ዝተረፈ ጠቅላላ ናይቲ ዉዕሊ ዋጋ በብመዓልቲ 0.1% ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝከፍል ምካኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ

7 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 15/07/2010 - 3/08/2010ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

8 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ:: ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344418556 ወይም 0910115362 ምርካብ ይካአል እዩ::