https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/426
ቢሮ ጉ/መ/ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ 2007 ዓ/ም ናይ መደበኛ ካፒታል በጀት ንመናእሰይ መዘናግዒ ማእኸላት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዝተፈላለዩ ቓሚ ንብረት ማለት ኤሌክትሮኒክስ ፈርንቸርን ናይ ስፖርት ናዉቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 29, 2007 (ልዕሊ 11 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 6, 2007 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:0
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

ምልክታ ግለፂ  ጨረታ 

ቢሮ ጉ/መ/ስፖርትን  ክልል ትግራይ ኣብ 2007 ዓ/ም ናይ መደበኛ ካፒታል በጀት ንመናእሰይ መዘናግዒ ማእኸላት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዝተፈላለዩ  ቓሚ  ንብረት ማለት ኤሌክትሮኒክስ ፈርንቸርን ናይ ስፖርት ናዉቲ  ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ::

1 ንዚ ጨረታ ዝተዳለወ ሰነድ ኣብ ቢሮ ጉ መንእሰይ ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ሓባር ሕንፃ ብሎክ 1 ምድሪ ቤት ቑፅሪ 23 ብምምፃእ ንሕድሕድ 30.00 ብር ብምኽፋል ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል::

2  ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 3,000 .00ሰለስተ ሽሕ ብር ብጥረ ብCPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ አለዎም::

3 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈልሉን ናይ 2007 ዓ/ም ፈቓድ ዘሐደሱን ቫት ሬጅስትር ዝኾኑን በቢወርሑ ዲክለር ዝገነርዎ ናይ ካብ ግብሪ አካቢ ኣካል ዝኸፈሉ ምኻኖም መረዳእታን መለለይ መቅረባይ ሰርትፊኬት ከቅርቡ ዝኽእሉን::

4 ጨረታ ወፃኢካብ ዝኾነሉ ዕለት 22 /7/2007 ዓ/ም  እስካብ ዕለት 6/8/2007 ተዓፅዩ ዕለት 6/8/2007 ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ  ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት  8:30  ድ/ቀትሪ ኣብ ብሎክ  1 ቢሮ ቁፅሪ 23 ምድር ቤት ይኽፈት ::

5 እቲ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ናብቲ ናይ ጨረታ ሳጥን ከእትዉ  አለዎም እቲ ጨረታ ፀኒኡ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን::

6 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ከይዲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::